15/06/2026
ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት
ፅሕተራ ካሊእ ዙር ደማዊ ኲናት ስርዓት ብልፅግና፤ ብምትላልን ምድንጋርን ኣይኽወልን!
======================================
ስርዓት ብልፅግና ሕዚ እውን ነጋሪት ኵናት ኣብ ምድሳቕ ይርከብ። እዚ ኩሎም ኣፈኣፈላላያት ብሓይሊ ክፈትሕ እየ ኢሉ ኣሚኑ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጀኖሳይድ ዝኣወጀ ስርዓት ሕዚ እውን ካሊእ ዙር ደማዊ ኵናት ንምኽፋት ተደጋጋሚ ፅሕተራ ኩናት የካይድ ኣሎ። ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተደጋጋሚ ደብዳብ ድሮን ይፍፅም ኣሎ። ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ትግራይ ሰራዊቱን ጋዕገልጠሙን ኣኽቲቱ ኣብ ምህንዳድ ይርከብ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ክባን ዕፅዋን ኣዊጁ ህዝቢ ትግራይ ብስእነት መሰረታዊ ሸቀጣትን ኣፋውስን ክሃልቕ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ዝርከቡ ወገናትና ናብ መረበቶም ኣብ ክንዲ ምምላስ እተን ዝርካበን ሰብኣዊ ሓገዝ እውን ንሰለስተ ወርሒ ተቛሪፀን ይሳቐዩ ኣለዉ። ብሓፈሻ እዚ ሰርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅሉዕ ኩናት ካብ ዝእውጅ ፀኒሑ እኳ እንተኾነ ብወገን ትግራይ ዘሎ ትዕግስቲ ጥራሕ እዩ ዛጊድ ናብቲ ዝብህጎን ዝፅሕትሮን ዘሎ ካሊእ ዙር ደማዊ ኩናት ዘይኣተወ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ክበልዕዋያ ዝደለዩ ኣባጉንባሕስ ዛግራ ይብልዋ ከምዝበሃል ነቲ ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ብወፍሪ ፕሮፖጋንዳ ንምዕጃብ ብሰበሰልጣኑ ኣቢሉ ነቲ ጀኖሳይድ ተፃዊሩ ብትዕግስቲ ንሰለማዊ መፍትሒ ዝምሕፀን ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ተገልቢጡ ብፅሕተራ ኲናት ይኸስስ ኣሎ። እዚ ምትላልን ምድንጋርን ፓለቲካዊ ሂወት እዚ ሰርዓት ንዝከታተል ዝኾነ ይኹን ሰብ ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ግልፂ እዩ። እዚ ንሓንቲ መዓልቲ ተሕድር ምትላልን ምድንጋርን እውን እንተኾነት ከም ስልቲ መናውሒ ሰልጣኑ ዝኽተል ስርዓት ማሕበረሰብ ዓለም ብምትላል ካሊእ ዙር ደማዊ ኲናት ንምኽፋት ዝገብሮ ዘሎ ሽርሒ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ።
እምነትን ቅዋምን ህዝቢ፣ መንግስቲ ትግራይን ህወሓትን ሕዚ እውን ሕቶታት ህዝቢ ትግራይን ኩሎም ኣፈላላያትን ብዘተን ድርድርን ቀልጢፎም ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል እዩ። እንተኾነ ግን ስርዓት ብልፅግና ነዚ ትዕግስቲ ህዝቢ ትግራይ ከም ድኽመት ሓሲቡ ዝጀመሮ ጀኖሳይድ ንምምላእ ኣብ ፅዕፁዕ ወታደራዊ ወፍሪ ይርከብ።
ኩሉ ክፈልጦ ዝግባእ ሓቂ ግን ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ህልውንኡ ንዝግበር ጀኖሳይዳዊ ወፍሪ ዓርሱ ናይ ምክልኻል ተፈጥራዊ መሰል ስለዘለዎ ህልውንኡ ንምውሓስ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብፅንዓት ክምክት እዩ። ፍትሓዊ መኸትኡ ከምዝዕወት እውን ፍፁም ዘጠራጥር የብሉን።
በዚ ኣጋጣሚ መላእ ተቓላሳይ ህዝብና እዚ ብስርዓት ብልፅግና ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብውነ ተረዲእኻ ኣብ ጎኒ ዓቕምታት መኸተ ብምዕሳል ድሕንነትካን ንምውሓስ ቃልስኻ ክተጠናኽር ይግባእ። ወድብካ ህወሓት ሎሚ እውን ከም ወትሩ ምስ ኩሎም ዓቕመታት መኸተ ብሓባር ኮይኑ ሃለዋትካ ብምውሓስ መሰል ዓርሰ ውሳነኻ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ብፅንዓት መሪሕ እጃሙ ከምዝዋፃእ እውን ከረጋግፀልካ ይፈቱ።
ሕድሪ ስውኣትና ንምውሓስ ህልውናን ሉእላውነትናን!
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!